ውድቀት ሃገራትን ጠንቅታቱን: መበቆል ስ&#462, ISBN: 9780578354910
ውድቀት ሃገራትን ጠንቅታቱን: መበቆል ስǎ
  • By (author) ኣሴሞግሉ &#4

Available for Order

HKD $305.00

within 14 to 24 business days
Brief Description

መጽሓፍ "ውድቀት ሃገራትን ጠንቅታቱን"፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ጋግ ምዕባለ ብመንጽር ታሪኻዊን ፖለቲካዊን ድሕረባይትኡ ብሰፊሕ እትትንትን መጽሓፍ እያ። እዚ ናይ ምዕባለ ጋግ'ዚ ኣዝዩ ዓቢ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ'ውን እናወሰኸ ይኸይድ ምሃለዉ ኣዝዩ ኣሰካፊ ይገብሮ። ኣታዊታት ናይተን ምዕቡላት ዝብሃላ ሃገራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ መብዛሕትአን ድኻታት ሃገራት ግን ናብ ዝኸፍአ ድኽነትን ዘይምርግጋእን የምርሓ ኣለዋ። ደረጃ መነባብሮ ናይቶም ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝነበሩ ዜጋታት፡ ምስ ደረጃ መነባብሮ ናይቶም ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ፍጹም ኣይቀራረብን እዩ። ሓደ ኣሜሪካዊ ዜጋ ካብ መዘንኡ ሜክሲካዊ ዜጋ ብሸውዓተ ዕጽፊ ይብልጽግ፡ ካብ ካልእ ተወላዲ ፔሩ ዝኾነ መዘንኡ ድማ ብዓሰርተ ዕጽፊ ይብልጽግ፡ ካብ ዜጋታት ናይተን ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ብዕስራ ዕጽፊ ክብልጽግ እንከሎ፡ ካብ ዜጋታት ናይተን ኣዝየን ድኻታት ዝበሃላ ከም እኒ ማሊ፡ ኢትዮጵያን ሴራልዮንን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ብኣርባዓ ዕጽፊ ከምዝብልጽግ፡ እዛ ድሕሪ ናይ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመታት መጽናዕቲ ዝተዳለወት መጽሓፍ ብዝርዝር ተብርሃልና።

ምንጪ ናይዚ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዘሎ ብልጽግና ግን እንታይ እዩ፧ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርአ ዘሎ ሕሰምን ድሕረትን'ከ እንታይ ክኸወን ይኽእል፧ ብብዙሕ መለክዒታት ዝመሳሰላ ሃገራት ክነሰን፡ ገሊአን ኣብ ጎደና ሰላምን ብልጽግናን ክጉዓዛ፡ እተን ካልኦት ግን ኣብ ዓንኬል ድኽነትን ዘይምርግጋእን ክነብራ ዝቕስብ ረቛሒ እንታይ እዩ፧

ደረስቲ ናይዛ መጽሓፍ ዝኾኑ፡ ሊቃውንቲ ስነ-ቁጠባ ዳሮን ኣሴሞግሉን ጄምስ ሮቢንሶንን፡ ነዚ ሕቶ ዝኸውን ንጹር መልሲ እዩ ዘለዎም። ኣብዚ ንነዊሕ ዓመታት ዘካየድዎ መጽናዕቲ ንኣሻሓት ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሶም፡ ድሕረ ባይታ ናይ ብዙሓት ሃገራት ብምድህሳስ ንህሉዉ ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣቃውምአን ይምርምሩ። ምንጪ ናይቲ ኣብዘን ሃገራት ዘሎ ብልጽግና ወይ ድኽነት ድማ ትካላዊ ኣሰራርሓአንምዃኑ ብንጹር የረድኡ። "ትካላዊ ኣሰራርሓ" ዝብል ሓረግ ብልምዳዊ ኣጠቓቕማ ምስ "ትካል" ወይ ድማ "ዋኒን" ተኣሳሲሩ ግፍሕ ዝበለ ትርጉም ንኸይሕዝን ኣብ ኣንባቢ ድማ ምድንጋር ንኸይፈጥርን ብምባል፡ ነዚ መንግስታዊ ፖሊሲታት ዝቐርጽን ዝተግብርን ኣሰራርሓ "ተቕዋም" (ንጽል) ወይ ድማ "ተቕዋማት" (ድርብ) ብዝብል መጸውዒ ንኽትክኦ መሪጸ ኣለኹ።


Book Details
Publisher:
Lightning Source Inc
Binding:
Paperback
Date of Pub.:
Jan 5, 2022
Edition:
-
Language:
-
ISBN:
9780578354910
Dimensions:
-
Weights:
725.75g
Contact Us
Contact Person
Ms. Annie Chau
Email Address
annie.chau@apbookshop.com
Fax No.
+852 2391-7430
Office Hours
Mon to Fri: 9am to 6pm
Sat, Sun and Public Holidays: Closed
General Enquiry
ውድቀት ሃገራትን ጠንቅታቱን: መበቆል ስ&#462, ISBN: 9780578354910  
This site use cookies. By continuing to browse this site you are agreeing to our use of cookies.